Comments

  1. Brhane

    ስለ’ቲ መሰረታውን ኣጸናናዕን እዋናውን ዛዕባ ትምህርቲ ግዜካ ወፊኻ ንዓና ንምዕባይ ብእትገብሮ ዓቢ ትምህርቲ ካብ ልቢ የመስግነካ ሓውና ክብርኣብ ጌታ ይባርካ
    ብርሃነ በረቀ ካብ ኖርወይ ።

  2. Fizzy

    Goyta yibarika hawey. I needed to hear this… bzuh hagizkani, kab zineberku chnqi wn agelagilkani, God bless you. Im going to share the site, Kulina komu nigber, hade seb zedliyo alo, nsu kihigez

  3. Mussie

    ናይ ብሓቂ ንኡድ ዝኾነ ቃል ኣምላኻዊ ትምህርቲ፡ ዳግም ክንሓስብ፡ ለካ ናተይ ግደ ትርጉም ኣለዎ ንኻልእ ክንብል ስለ ዝገበርካና ተባረኽ ሓው ክብረኣብ።
    ጎይታ ይባርኽኹም ሰለ ጸዓትኩም፡ እዚ ስልጠና ናይ ብሓቂ እዋናዊ እዩ። ካብዚ ዘለዎ ድሩት ቤት ናብ ዝላዓለ ጥርዚ ኣገልግሎት ክድይብ። እምላኽ ይሓግዝ።
    “””ሰብ ኣብ ኩሉ ስጉምትታቱ ኣሰር ይገድፍ እዩ፡ እቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ድማ ኣሰሩ ይርእዮ።”””
    ጎይታ ዝኸብረሉ ኣሰር ንግደፍ።
    ኩሉኻትኩም ሰልጠንትን ኣሰልጠንትን ጎይታ መመልሱ ጉልበትን ግዜን ትብዓትን ተወፋይነትን ይምልኣኩም።
    ሙሴ ፍሰሃ

    1. Kebreab Yimesgen Post author

      ሙሴ ሓወይ፡ ስለቲ ሰናይ ቃላትካን ገምጋምካን ኣዝየ አመስግነካ። ንኻልኦት ይጠቕሞም እዩ እትብሎም ክመሃርዎ ከተታባብዖም እምሕጸነካ።

  4. Mekonem Zere

    በቲ ምቕሉልን ርድ ኡን አገላልጻኻ ብጣፅሚ ተመሲጠ ጎይታ ጸግኡ የብዝሐልካ::
    አግላልጻኻ ንኹሉ ንኽርዳእ ዝገብርካዮ ጻፅሪ ከየመስገንኩ ክሐልፍ አይደልን::
    በዛ ቀዳመይቲ ብጣፅሚ ተመሲጠ አለኹ እሞ ጎይታ ይባርኽካ

  5. Isaac

    እዛ ዌብሳይት ሎሚ ኢየ ርእየያ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዛዕባታት ሒዛ ኣላ፡ ብሓቂ ነዚ ኩሉ ከተዳሉ ዘሕለፍካዮ ግዜ እሞ ድማ ኣብ ኣሜሪካ እንዳነበርካ ከድንቐካ ይደሊ፡ኣነ ገለ ክፍሊት ይህልዎ ይኸውን እዩ እንዳበልኩ እየ ረጂስተር ጌረ ግና ክፈል ዝብል ኣይረኸብኩን ገሪሙኒ፡ከምዚ ዝዓይነቱ ትሕዝቶ ብነጻ ክርከብ ግና ንዓይ ተኣምር እዩ፡ዓስብኻ ካብ ኣምላኽ ርኸቦ ጥራይ ርኸቦ ክብለካ ይደሊ፡ይቐንየልና ስለ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ውህብቶኻ።