Lesson

ምምስራትን ምህናጽን ጥዑይ ሓዳር ብዳዊት ተኽላይ P.1

ሓዳር መሰረት ናይ ኹሉ ትካላት ሕብረተ-ሰብ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ውን ንሰብ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ: ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኤደን ገነት ቅድሚ ሰብ ናብ ሓጥያት ምውዳቑ ሓዳር መስሪቱ። እምብኣር እዚ ሓዳር እዩ: ቤተ-ሰብ: ሕብረተ-ሰብ: ሃገራትን ኣህጉራትን ዝምስርት። ምጥዓይን ምድልዳልን እዚ መሰረትን ምንጭን እዞም ኹሎም ትካላት ማሕበረ-ሰብ ዝኰነ ሓዳር: ንምጥዓይ እዛ ንነብረላ ዓለም መሰረታዊን ቀንድን እዩ።
እምብኣር እዚ ኣብ ክልተ ተከታተልቲ ክፋላት ተዳልዩ ዘሎ ንሓዳር ዝምልከት ኣስተምህሮ: ንገዛእ ርእስና ኰነ ኣብ ከባቢና ንዘለው ሰብ ሓዳር: ኣብ ሓዳር ንዘጋጥሙ ሽግራት ንምፍታሕ መባእታዊ ሓገዝ ክገብር ስለዝኽእል: ጊዜ ሂብኩም: ብተገዳስነት ክትከታተልዋ ብትህትና ይሓትት።

Course Discussion

Comments