Skip to toolbar

Base

Name

Kebreab Yimesgen

Bio

ሰላም። ስመይ ክብርኣብ ይመስገን ይበሃል። ናይ ECC ወለንተኛን ናይ ቦርድ ኣቦመንበርን እየ።

ኣብ ኣሜሪካ መንግስቲ ዋሺንግቶን እቅመጥ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ድማ እየ።

ኣብዚ ናይ ስደት ዕድመይን ቅድሚኡን፡ እቲ ዘይውዳእ ጸጋ ኣምላኽን ምሕረቱን በቲ ሓደ ወገን፡ ኣገዳስነት ፍቕርን ሕውነትን ድማ በቲ ሓደ ወገን ኣስተማቒረ። ስለዚ ድማ እየ፡ ገለ ካብቲ እተቐበልኩዎ ንኸካፍልን፡ ነቶም ከማይ እተቐበሉ ድማ ነቶም ኣብ ጎድኖም ዚርከቡ ጽጉማት ኪሕግዙ ከተባብዕን፡ ተሳታፊ ናይዚ ስልጠና ክኸውን ዝመረጽኩ። እዚ ስልጠና ካብ ፍጹምነት ብብዙሕ ዝጎደለ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዘሎናዮ ኩነታት ግና ከም ሓደ መጀመሪ ባይታ ክኸውን ከምዝኽእል ግና ጥርጥር የብለይን።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንዝኾነ ዓይነት ርእይቶን ሃናጺ ነቕፌታን ክፉት ደገ ክህብ እፈቱ።

የቐንየለይ።